Skip to main content

COVID-19 ንምዕጋት ናይ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ምኽርታት (Tigrinya)

COVID-19 ንምዕጋት ናይ ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ምኽርታት

Public Health Recommendations to Stop COVID-19 in Tigrinya

ብኽብረትኩም ናብ ናይ ክፍለሃገር ዋሽንግተን Department of Health (DOH፣ ክፍሊ ጥዕና) መርበብ-ሓበሬታ ብምብጻሕ ዝተተርጎመ ናይ COVID-19 ሓበሬታ ርኸቡ። ንኽሎም እቶም ዝህብዎም ትርጉማት ንምርካብ ነቲ ናብ ታሕቲ ዝወርድንናይ ቋንቋ ዝርዝር ክትጥቀም ትኽእል።

ሚያዝያ 28፡ 2023፣ ዕድሚኦም 6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝኾኖም ኩሎም ሰባት ዝማዕበለ (bivalent) ክታበትር ክወስዱ ይምከር።

ካብ ሚያዝያ 19፡ 2023 ጀሚሩ ምኽሪታት ናይ ማእከላት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማም (CDC) ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19)

ዝኾነ ሰብ ዕድሚኡ 6 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖ 1 ዝዘመነ ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ፋይዘር ወይ ሞደርና እንተደኣ ወሲዱ ዘማልአ ከምዝኾነ (ብአንግሊዝኛ ጥራሕ) ይቑጸር።

ገለገለ ሰባት ተወሳኺ ናይ ኮቪድ-19 (COVID-19) መሐየሊ ክታበት ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም፥

  • ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝኾኖም ሰባት 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ድሕሪ 4 ወይ ልዕሊኡ ኣዋርሕ ናይ’ታ ቀዳመይቲ ዝመዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።
  • ማእከላይ ወይ ብርቱዕ ዝኾነ ድኹም ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ሰባት ድሕሪ 2 ወርሒ ወይ ልዕሊኡ ናይ’ታ ዝወሰዱዋ ቀዳመይቲ ዝማዕበለት ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) 1 ተወሳኺ ዝማዕበለ መሐየሊ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

ዕድሚኦም ካብ 6 ወርሒ-5 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት እዋናዊ ክበሃሉ ብዝሕ ዝበለ ዓቐን ክታበት ኮቪድ-19 (COVID-19) ከድልዮም ይኽእል ኢዩ፣ እንተላይ እንተወሓደ 1 ዝማዕበለ ዓቐን ፋይዘር ወይ ሞደርና። እዚ ኣብ’ቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ብዝሒ ዓቐንን ዕድሚኦምን ይምርኮስ።

ብኽብረትኩም ክንደይ ዓቐን ከምዘድልየኩም ሕቶ እንተሃልዩኩም ንወሃቢ ኣገልግሎት ጥዕናኹም ተወከሱ።

ንዝያዳ ሓበሬታ ካብ ክፍሊ ጥዕና ሃገር ዋሽንግተን COVID-19 Vaccine page ኪድ።

ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ንምሕጋዝን፡ ጥዕና ሓድሕድና ንምሕላውን ነዚ ዝስዕብ ስጉምቲ ውሰዱ

እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ክታበት ምውሳድ እዩ ኣብዚ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ዝተኸትቡ ሰባት ዝያዳ ነገራት ብውሑስ ኣገባብ ክገብሩ ይኽእሉን ኣብ ሕብረተሰብ ድማ COVID-19 ክንክይ ይሕግዙን ኣለዉ (ዌብ ሳይት ብእንግሊዝኛ)።

ኣብ ዚያድ ሓደገኛ (ተኣፋፊ) ቦታታት (ብዙሓት ሰባት ዝእከቡሉ ቦታታት) ማስክ ምግባር ጥዕና ኩሉ ሰብ ንምሕላው ይሕግዝ። ብፍላይ ክታበት ዝህቦ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክረኽቡ ዘይክእሉ፡ ከም ናእሽቱ ቆልዑን፡ ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ንቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ዝተዳኸመን ሓጋዚ ኢዩ።

ናይ COVID-19 ምልክት እንተለኩም፡ ወይ ድማ ምስ ተመርሚሮም ኮቪድ ከምዘለዎም ዝተነግሮም ናይ ቀረባ ርክብ እንተጌርኩም፡ ተመርመሩ

ናይ COVID-19 መርመራኻ ውጽኢት አወንታ ምስዝኸውን ወይ እውን በዚ ሕማም ናይ ምትሓዝ አብ ልዑል ስግኣት ምስ እትህሉ ተቐላጢፍካ ናይ COVID-19 ሕክምናዊ ክንክን ምግባር (ሓበሬታ ብእንግሊዘኛ ጥራሕ)፡ ካብ ከቢድ ሕማምን አብ ሆስፒታል ምድቃስን ንምክልኻል ክሕግዝ ይኽእል እዩ፡፡ ሕክምናዊ ክንክን ክትገብር ዝምከር እንተኾይኑ ንሓኪምካ ተወከስ።

ዘይተኸተቡ ሰባት ኣብ ምዝንጋዕኩም ዝሳተፉ እንተኾይኖም፡ ምትእኽኻብኩም ምስ ውሑዳት ሰባትን፡ ኣብ ግዳምን ግበሩዎ። እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ገዛ ብቐሊሉ ስለ ዝመሓላለፍ፡ ትካላትን ማሕበራትን፡ ጽቡቕ መተሓላለፊ ኣየርን ፊልተራት (መጽረዪ ኣየር) ብጥቃም ንዝርግሐ ቫይረስ ክንክዩ ይኽእሉ (ዌብ ሳይት ብእንግሊዝኛ)።

Caring for yourself or others

ኣብ ገዛኹም ብኸመይ ንናይ ኮቪድ-19 ምልክታትኩም ከምትከታትልዎ/ከምእትኣልይዎ

ኢንፎግራፊክስ (ስእላዊ ሓበሬታታት)

ምርመራ ንሕክምና ሓድሽ መደብ ኮይኑ ሰባት ኮቪድ-19 እንተሒዝዎም ምርመራ ንክገብሩን ብቕልጡፍ ናጻ ሕክምና ክረኽቡን ዝሕግዝ ኢዩ።

ዝያዳ ተመሃር



ሓገዝ ቅሩብ ኢዩ

ብኻልእ ቋንቋ ወይ ናይ ኦንላይን ሓገዝ ምስእትደልዩ፡ ናብ ናይ ዋሽንግተን ቴሌፎን ደውሉ። ብዛዕባ ናይ ኢሚግሬሽን ኩነታትኩም ኣይንሓትትን ኢና። ናይ መንበሪ ወረቐት ብዘየገድስ ፡ ዝኾነ ሰብ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።

ተርጓማይ ንምጥላብ፡

  1. 1-800-525-0127
  2. መልእክቲ ምስ ሰማዕኩም፡ ተቀበልቲ ቴሌፎን ንክምልሱልኩም ተጸበዩ።
  3. ነቲ ትደልይዎ ቋንቋ ንገሩ።
  4. ተቐበልቲ ቴሌፎን ናብ ማእከል ኣገልግሎት ትርጉም ክድውሉ ኢዮም። ክሳብ ተርጓማይ ኣብ መስመር ዝመጽኣኩም ቴሌፎንኩም ኣይትዕጸውዎ።

ብዛዕባ COVID-19 እተዋህበ መምርሒ


ኢንፎግራፊክስ (ስእላዊ ሓበሬታታት)

ነንሕድሕድኩም ንምትሕግጋዝ ድሉዋት ኩኑ። ሓያል ማሕበረሰባዊ ምትሕልላይ ሓያል ግዜ ንምስጋር ሓጋዚ ኢዩ።


Link/share our site at www.kingcounty.gov/covid/tigrinya

expand_less